áµá ááá ááµááá± á¥áá¨áá¹áᣠá¨á á¨á«ááµá£ ááá©á á©ááµáᣠáá¶á á¥á¥á
áµá ááá ááµááá± á¥áá¨áá¹áᣠá¨á á¨á«ááµá£ ááá©á á©ááµáᣠáá¶á á¥á¥á
áµá ááá ááµááá± á¥áá¨áá¹áᣠá¨á á¨á«ááµá£ ááá©á á©ááµáᣠáá¶á á¥á¥á
Create successful ePaper yourself
Turn your PDF publications into a flip-book with our unique Google optimized e-Paper software.
ነደይ ከተኽብሩዋ እንከለኹም፣ ናብ ቤተ መቕደሳ ኬድኩም ክብርኹም ኣርእዩዋ

ረቡዕ፣ ነሓሰ 14, 2013 ሰዓት 15፣15

ኣዚኺ ዝተፈቐርኪ ጓለይ፣ ዝኾነ ሂወት ዘለዎ ሰብ ክሳብ ክንደይ ሰይጣን መታለሊ ምዃኑ ፈጺሙ ሙሉእ ብሙሉእ ክርዳእ

ኣይክእልን ኢዩ። ኣብቶም ንሱ ዝወረሮም፣ ምልክት ናይ ክፋእ ፈጺሞም ከምዘይህቡኹም ፍለጡ። ብኣንጻሩ፣ ነቲ ሓጥያት

ዝመልኦ መንገዶም ክገልጹልኩም እንከለዉ፣ መታን ነቲ ምትላሎም ክትቅበሉዎም ኣዝዮም ማረኽቲ፣ ተዋዘይቲ፣መለኽቲን፣

መእመናትን ክኾኑ ኢዮም።

እቶም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያነይ ኮይኖም ነቲ እከይ ዘኽብሩን ከም ገላዉ ንመምርሒታቱ ዝስዕቡ፣ በቲ ቅዱስ

ትርኢቶም ኣዝዮም ከደናግሩኹም ኢዮም። ንብዙሓት ካባኻትኩም እውን ናብ’ቲ መንገዶም ከእትዉኹም ኢዮም፣

ንዓኻትኩም፣ ንዓይን ንፍቕርቲ ኣደይን ብሓቂ ዘኽብሩ ዘለዉ ስለዝመስሉኹም። እንተኾነ ግዳ ነፍሲ ወከፍ ምልክትን ቅዱስ

መሲሉ ዝርኤ ተግባርን’ሲ ኣብ ቅድሚ’ቶም ንስመይ ከኽብሩ ዝተወጠኑ መንበረ-ታቦታት ንዝግበሩ ውርደታት ናይ ሓሶት

ከውሊ ኢዮም። ነቲ ኣራዊት ከኽብሩ እንከለዉ፣ ኣብ ቅድሜኹም ቅዱስ ተግባራት መሲሎም ክርኣዩኹም ኢዮም፣ እንተኾነ

እቲ ናይ ድሕሪት ንቕድሚት ዝኾኑ ኢዮም። ሓሳባቶም ኣዝዮም ቅዱስን ክብር ዝመልኦምን መሲሎም ክርኣዩ ኢዮም፣

እንተኾነ ኣይትታለሉ።

ነደይ ከተኽብሩዋ እንከለኹም፣ ናብ ቤተ መቕደሳ ኬድኩም ክብርኹም ኣርእዩዋ። እቶም ንዓይ ዘፍቅሩ ናብኣ ክኸዱ

ኢዮም። ፈጺሞም ድማ ኣደይ ናብ ቅርዓት ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያነይ ክትመጽእ ኢያ ኢሎም ክቕበሉ የብሎምን።

እቶም ዓለም ክትቅበሎም እትሕተቶም ካልኦት ምልክታት፣ ንስላሴ፣ ኣደይን ኩሎም ቅዱሳትን ዘኽብሩ ዝመስሉ፣ ጥዑያት

መሲሎም ክርኣዩ ኢዮም። እንተኾነ እቶም ጸላእቲ እግዚኣብሄር ብዝተፈልየ መንገዲ ኢዮም ከርእዩኹም። እቲ ዘይትጽበዩዎ

ክቕረበልኩም እንከሎ፣ እዚ እቲ ዓቢ ምልክት ናይ’ቲ ኣራዊት ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ድማ ንነብሱን ጭፍርኡን ቅዱሳን

ምዃኖም ከእምና ንዓለም ከዔሽዋ ኢዩ።

ናትኩም የሱስ